መስመር ሳዋ – ፎርቶ-ሳዋ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝወደቦ ወፈራ፡ ናይ ጽገና ስራሕ ይካየደሉ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ብ2 ሚያዝያ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ መስመር ዝቘርጽ ዓቢ ሩባ ኣብ እዋን ክራማት ዝፈጥሮ ጸገም ንምቅላል ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ መደብ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምእንቲ ክዛዘም፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 850 ጉልበት ሰብ ዝሳተፎ ኣድማዒ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ነቲ ስራሕ ዝመርሑ ዘለዉ ክኢላታት ገሊጾም።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ነቲ ስራሕን ገስጋሱን ድሕሪ ምዕዛብ – እቲ ሩባ ብመንደቕን ጋብዮንን ቀጻሊ ጽገና ይካየደሉ ምንባሩ፡ እንተዀነ ኣብ እዋን ክራማት ብዝወርድ ሓያል ውሕጅ እናፈረሰ፡ ብኣኡ ንዝግበር ምንቅስቓሳት ከሸግር ምጽንሑ ኣረዱኡ።

ሕጂ፡ ዘድሊ መሳርሕን ክኢላዊ ዓቕሚሰብን ተመዲቡሉ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ብዝሓሸን ዝደልደለን ኣገባብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ዘሎ ኣዛዚ ስታፍ ‘ህንጻ ሳዋ’ ካፒተን ተስፋጼን ተወልደ፡ እቲ ጽርግያ – 130 ሜተር ቁመት፡ ሓደ ሜተርን ፈረቓን ጐድኒ፡ ከምኡ’ውን 2 ሜተርን ፈረቓን ብራኸ ዘለዎ መንደቕ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories