ኣባል ምምሕዳር ዞባ ማእከል ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ተኽለማርያም ገብረመድህን (ብዮምቦ)፡ ብ2 ሚያዝያ ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ብርሃነ ተኽለማርያም፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሳብ ብደረጃ ኣዛዚ ሓይሊ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል – ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ኣብ ክፍሊ ትሕተ-ቅርጺ ሓላፊ ምውፋር፣ ብደረጃ ኢንስፐክተር ምክትል ኣዛዚ ወተሃደራት ከተማ (ምኒችብዮ)፣ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ብደረጃ ሓላፊ ኣሃዱ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ ተኽለማርያም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሰንበት 3 ሚያዝያ ፍርቂ-መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ብርሃነ ተኽለማርያም ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

ዓለማዊ መዓልቲ ‘ኦቲዝም’፡ “ሱታፌ ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ድሕሪ እዋን ለብዒ’’ ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር – ኣብ ዞባ ማእከል ከባቢ ማይ-ድምነት ንዝተተኽለ ፈልሲታት ብምክንኻን ብ2 ሚያዝያ ተዘኪራ።

Categories