ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓይነባ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘተኰረ ሰፊሕ ማእቶት የካይዱ ኣለዉ።

እዚ ካብ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ጀሚሮም፡ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እናወፈሩ ዘካዪድዎ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ከትርታትን ዛላታትን ምስራሕ ከምኡ’ውን ጽርግያ ምጽጋን ዘጠቓለለ ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሓይነባ ኣቶ ጀማል መሓመድ ሽፋ፡ ዛጊት 15 ኪሎ-ሜተር ዛላታትን 25 ሜተር-ክዩብ ከትርታትን ከምእተሰርሐ፡ ብክራማት ተባሕጒጉ
ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ 5 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ድማ ከምእተጸገነ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሳራረ ኣብ ዝተባህለ ቦታ – ንመትከሊ ልዕሊ 8 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ዝኸውን ጐዳጉዲ ተዳልዩ ከምዘሎ ኣቶ ጀማል ሓቢሩ።

እቶም ወፋሮ፡ ኣብ መሬት ሕርሻ ዝካየድ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ስራሓት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ስራሕ ክሳብ ምጅማር ክራማት ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም።

Categories