ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ከም ኣካል ምድላዋት ንክራማት – ኣብ መሬት ሕርሻን ጎቦታትን፡ ሰፊሕ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ወፈራታት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢን 21 ዓድታትን፡ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እናወፈርካ ዝትግበር ዘሎ መደብ፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት ዝጀመረ ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ማጆር መንግስትኣብ፡ መዓልታዊ ካብ 400 ክሳብ 500 ጉልበት ሰብ ይሳተፎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዲጋታት ብድበት ከይመልኣ – 1,300 ሜተር ኲብ ከትሪ ብእምኒ፡ 1,400 ሄክታር ሕርሻዊ ዛላታት፡ 160 ሄክታር ቅናታዊ ዛላታት ክስራሕ ብዝወጽአ መደብ፡ ድሮ ሓደ ሲሶ ናይ’ቲ መደብ ከምእተተግበረ፡ ኣቶ ማጆር ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጽዮን ብወገኑ፡ ምግራብን ምዝላይን ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምርጋእ ኣከባብን ዘለዎ ተራ ልዑል ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እቲ ወፈራዊ ስራሕ ብዝያዳ ውዳበ ከምዝቕጽል ኣረጋጊጹ።

ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ጸዓዘጋን ዓዲ-ቖንጺን፡ ነበርቲ ንዘርእይዎ ዘለዉ ዕዙዝ ተሳትፎ ብምምጓስ፡ ከም ባህሊ ንምስራጹ ብዕቱብ ክተሓዝ ተላብዮም።

Categories