ኣባል እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ – ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ተስፋስላሴ ነጋሽ ገብረታትዮስ፡ ብ31 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ተስፋስላሴ ነጋሽ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ካብ ተራ ክሳብ ኮሚሽነር ቦጦሎኒ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክሳብ ሓለቓ ስታፍ ክፍለሰራዊት፣ ካብ ወርሒ መስከረም 2021 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ከኣ፡ ኣብ እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ተመዲቡ – ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ሌተና ኮሎኔል ተስፋስላሴ ነጋሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 1 ሚያዝያ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ከረን ተፈጺሙ።

እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ኣባሉ ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ተስፋስላሴ ነጋሽ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories