ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ከርኢ፡ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ብ18 መጋቢት ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ጸዊዑ።

ሓላፊ ክፍሊ ውዳቤን ሓበሬታን ማሕበር ኣቶ መሓመድ-ኑር እድሪስ፡ ማሕበር መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ዘተኣታተዎ፡ ብውልቅን ብጉጅለን ብመልክዕ ልቓሕን ንግዳዊ ንጥፈትን ዝግበር ደገፍ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት እውን ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር፡ ብህዝቢ ዝግበረሎም ኩለንትናዊ ደገፍ ዘሞጐሰ ኣቶ መሓመድ-ኑር፡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃ.ማ.ስ.ኲ.ኤ ዞባ ጋሽባርካ ኣቶ ተስፋልደት መንግስቱ፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምውህሃድ፡ ዕድመ ንዝደፍኡ ኣባላት ማሕበር ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንምቅላልን ንስንኩላን ዝበቅዕ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን፡ ከምኡ’ውን ተደሪቱ ዘሎ ኣታዊታት ማሕበር ንምዕባይ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ማሕበር ዘይተጠርነፉ ስንኩላን ክጥርነፉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ስዩም ገብረእየሱስ፡ ንስለ ህዝብን ሃገርን ዝሰንከሉ ሓርበኛታት ምድጋፍ፡ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ ህዝብን ምምሕዳርን እቲ ንኡስ ዞባ ዝገብርዎ ዘለዉ ምድግጋፍ ንምዕባይ ከምዝስራሕ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት እውን፡ ተመሳሳሊ ዘተ ከምእተኻየደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories