ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሞያታት ሲንጀርን ምጥላፍን ንሽዱሽተ ወርሒ፣ ብምድላው መግቢ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ዘሰልጠነን 54 ኣለይቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ፡ ብ31 መጋቢት ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ወኪል’ቲ ጨንፈር ኣቶ እስማዒል ዑስማን፡ ዜጋታት ካብ ተጸባይነት ተናጊፎም ኣፍረይቲ ክዀኑ ምጽዓር ካብ ቀንዲ ተልእኾ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ምዃኑ፣ በብከባቢኡ ዝውደብ ሞያዊ ስልጠናታት ድማ ኣካል ናቱ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ዳይረክተር ማእከል ስልጠና ‘ኣምሀል’ መንእሰይ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ-ስዒድ፡ እቲ ብግብሪ ዝተሰነየ ትምህርቲ፡ ደረጃታትን ቅጥዕታትን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘማልአ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ዝቐሰማኦ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ምእንቲ ክሰርሓሉ፡ እቲ ማእከል ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ክገብረለን ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ረዘነ ፍስሓ፡ ንዜጋታት ብሓፈሻ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ሞያ ምዕጣቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories