ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣቶ ሑመድ ምስ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኩወይት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዓሊ ሱሌማን ኣ’ስዒድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ገስጋስ ኩሉ-መዳያዊ ዝምድናታት ኤርትራን ኩወይትን ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብ ዕድላት ወፍሪን ቁጠባዊ ሽርክነትን ምምልላእን ዘትዮም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎታትን ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ፕሮቶኮላዊ ስምምዓት ምንጥጣፍን ሓድሽ ስምምዓት ምኽታምን፡ ነቲ ዝምድና ንምምዕባል ደፋኢ ከምዝዀነ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኩወይት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዓሊ ሱሌማን፡ ሃገሩ ዝምድናኣ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ምስ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ንምምዕባልን ንምስፋሕን ዘለዋ ድሌትን ቅሩብነትን፡ በቲ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጹ።

Categories