ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ – ገማግም ሩባ ባርካ ዝነጥፍ ማሕበር ኣልማዕቲ ጀራዲን፡ ብ15 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ጉባኤ፡ ፍርያቱ ብዓይነትን መጠንን ንምምዕባል ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ዮሱፍ ዳምር፡ ኣብ 2016 ዝተመስረተን 249 ኣባላት ዘለውዎን ማሕበሮም፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣሕምልትን ፍረታትን ብምልማዕ፡ ጠለብ ዕዳጋታት’ቲ ከባቢን ኪኖኡን ንምምላእ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣባላት ማሕበር ካብ ቅዋምን መምርሕን ማሕበር ወጻኢ ብቐጥታ ምስ ነጋዶ ዝገብርዎ ርክባት፣ ኣፍረይትን ተጠቀምትን ብቐጥታ ዝራኸቡሉ ባይታ ዘይምህላዉ፣ ተመሳሳሊ ዘርኢ ኣብ ሓደ ወቕቲ ምጥቃም፡ ካብ’ቶም ንምእራሞም ዝስራሓሉ ዘሎ ጸገማት ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድገ ኣቶ ሁመድ ውኤላ ብወገኑ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ብሓፈሻ ኣባላት ማሕበር ድማ ብፍላይ – ንባህርያዊ ጸጋታት ብዘይሃሲ ኣገባብ ፍርያቶም ንምዕባይ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ዓይነትን መጠነን ፍርያቶም ብምምዕባል፡ ብሕግታት ማሕበር ተቐዪዶም ጠለባት ዕዳጋታት ንምምላእን ዋጋታት ንምርግጋእን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ንዕቃበ ኣከባቢ ልዑል ግምት ክህቡን ኣተሓሳሲቡ።

Categories