መንእሰያት፡ ኣብ ታሪኽን ኣምር ሃገርን ሃገራውነትን ዘለዎም ንቕሓትን መረዳእታን ንምብራኽ፡ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ከምዝግባእ፡ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ኣገንዚቡ።

ብ25 መጋቢት፡ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዝተዋህበ ሰሚናር፡ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ሰረት ኤርትራዊ ሃገርን ሃገራዊ መንነትን፡ ጐበጣን ውዲትን ወረርትን ገዛእትን ብሓባር፡ ኣብ ምምካትን ምስዓርን ዓቢ እጃም ከምዝነበሮ ብምምልካት፡ ሃገር ብዘይ ሃገራዊ መንነት ክቐውም ከምዘይክእል – ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ህያው ኣብነት ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

ሓቅታትን ዕምቈትን ታሪኽ ኤርትራን ቅያታት ህዝባን ምፍላጥ፡ ኣብ ምስናዱን ናብ ወለዶታት ኣብ ምትሕልላፉን ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ዝተሰግረ መስገደላትን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ኣብ መንእሰያት ብግቡእ ምስ ዘይሰርጽ፡ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝን ምህሳስን ሸርሒ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ኣነጺሩ።

ኣቶ ኣለምሰገድ፡ መንእሰያት ኣብ ኣረዳድኣን ኣተሓሕዛን ታሪኽ ብትዂረት ክዋስኡን ኣሰር’ቶም ብደሞም ታሪኽ ሰሪሖም ዝሓለፉ ወለዶታት ክኽተሉን ብምልባው፡ ኩሉ-መዳያዊ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ብምልኣት ንምጽሓፍ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ከጽንዑ፡ ክመምዩን ክመራመሩን ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዳግም ተሓቲመን ዝዝርጋሓሉ ባይታ ክፍጠር፣ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ዝተጻሕፈ – ናብ ሰነዳዊ ፊልም ንምቕያር ክስራሓሉ፡ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories