ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ ሓደ ካብ ጐዳይፍ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ሰምበል እዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,726 በጺሑ ኣሎ።

9,620 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 3 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 27 መጋቢት 2022

Categories