ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ዝተመዝገበ 90 ሚእትዊት መጠን ምሕላፍ ናብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባል፡ ስሉሳዊ ዝምድና ቤት-ትምህርቲ፡ ወለዲን መማህራንን ክሕይል፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ17ን 18ን መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝገበሮ ገምጋማዊ ኣኼባ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ደራኺ እምበር ዘዛኒ ክኸውን ከምዘይግባእ ጠቒሱ፡ ብደረጃ ወለድን ክፍልን ዝግበር ርክባት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ሱፐርቪዥናዊ ዕማማት ምሕያል፣ ኣበርክቶ ሕብረተ-ሰብ ምዕዛዝ፣ ብኽነት ግዜ ትምህርቲ ምውጋድ፣ ተገዳስነትን ጻዕሪን ተመሃሮ ምትብባዕ፣ ተራን ኣበርክቶን መማህራን ምዕዛዝ – ካብ’ቶም ብዕቱብ ዝስራሓሎም ምዃኖም እውን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲዃላን ማይ-ምነን ዝርአ ዘሎ ደግሲ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ንምግታእ፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ብዕቱብ ክስራሓሉ፣ መሰረታዊ ጽገና ዘድልየን ኣብያተ-ትምህርቲ ቈላሕታ ክግበረለን፣ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል. . . ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ቅድመ-ትምህርቲ ምስ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ክስርሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን ድማ፡ ሕጽረት ኣብያተ-ትምህርቲ ንምፍታሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኰይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories