ዝኽሪ መበል 34 ዓመት ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’፡ ብ19 መጋቢት ኣብ ኣፍዓበት ብድምቀት ተጸምቢሉ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተቐማጦ ከተማ ኣፍዓበትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ፡ ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ሕቖ “ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት” ዝበሃል ዝነበረ ገዚፍ መግዛእታዊ ሰራዊት ብምስባር፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽን ወሳኒን መድረኽ ዘሰጋገረ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ስርሒታት ብዓይነቱ ኰነ ኣወዳድባኡን ስልቱን ፍሉይ ከምዝነበረ ገሊጹ።

“ምድምሳስ ናደው፡ ንስርሒት ፈንቅልን ዛዛሚ ኲናትን ባብ ዘርሓወ ታሪኻዊ ግጥም እዩ” ዝበለ ኣቶ ኣሕመድ፡ ናጽነት መላእ ኤርትራ ርሑቕ ከምዘይኰነ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዘበሰረ ድሙቕ ወተሃደራዊ ስርሒት ምንባሩ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ብባህላዊ መሰናድኦታት ዝደመቐ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ጽምብል ንምምዕራግ ኣብ ዝተኻየደ ስፖርታዊ ግጥማት ንዝተዓወቱ፡ ሽልማት ተዓዲሉ።

ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 17 ክሳብ 19 መጋቢት 1988 ዘካየዶን ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ዘበሰረን በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዝነበረ ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛን ጸሓፊ ታሪኽን ባዚል ደቪድሰን፡ “መዘና ዴን ቤን ፉ” ክብል ከምዝገለጾ ዝዝከር እዩ።

Categories