ኣብ ዞባ ማእከል ነበርቲ ንኡስ ዞባ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ከባቢኦም ንምርጋእን ብኣግራብ ንምሽፋንን ዝጀመርዎ ወፈራዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ገሊጾም።

ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሸኻፍርትት፡ መደበርን ዕዳጋ-ዓርቢን ነዚ ዝገለጹ፡ ንክራማት ዘድሊ ምቅርራባት ንምጽፋፍ፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ዝወዓልዎ ወፈራ እዩ።

ኣባል ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ምሕረት በሪሁ፡ ነበርቲ ስራሓት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ካብ ዝጅምሩ፡ 8 ዓመታት ከምዝገበሩ ብምምልካት፡ ክሳብ ሕጂ 40 ሄክታር ቅናታዊ ዛላ ከምዝሰርሑ፣ 13 ሽሕ ጐዳጉዲ ኲዒቶም ዝተኸልዎ ፈልሲታት 80 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ ሓቢራ።

እቲ ልምዓታዊ መደባት፡ ኣብ ማይኣንበሳ፡ ማይ-ከረውረው፡ ጸሊም ጎቦ፡ ቤትገርግስን እንዳ-ሰገንን ከምዝዀነን፡ ከም ባህሊ እናሰረጸን እናተወራረሰን ይመጽእ ምህላዉን እውን ኣረዲኣ።

ነፍሲ-ወከፍ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ኣስታት 130 ጉልበት ተሳትፍ ከምዘላ ዝጠቐሱ ወፋሮ፡ ጸላም ጉልባብ ገይርካ ዝቚረጽ ገረብ ንምግታእ፡ ነፍሲ-ወከፍ ነባሪ ብንቕሓት ክከታተል ተላብዮም።

Categories