ዓለማዊ መዓልቲ ዳውን-ሲንድሮም – ‘21 መጋቢት’፡ “ዝዀነ ሰብ ንድሕሪት ኣይነትርፍ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ከባቢ ማይ-ድምነት ብመደብ ማእቶት ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ሌ/ኮሎኔል ብርሃነ በዂረጽዮን፡ ኢንታን ተነጽሎን ንምውጋድ፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ዳውን-ሲንድሮም ዝነብሩን ስድራቤቶምን ግቡእ ኣጠማምታን ኣተአላልያን ከም ባህሊ ንምስራጽ፡ ጻዕርን ግዜን ዝሓትት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ዳውን-ሲንድሮም፡ ሕማም ዘይኮነ ሓደ ካብ ዓይነታት ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ወፍርና – ድንጋጸን ምጽወታን ዘይኮነ፡ ክእለትን ፍልጠትን ብምዕጣቕ፡ ዓቕሞም ኣብ ዘፍቅዶ ስራሕ ምውፋር ክኸውን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ገብረዮውሃንስ ወልደጊዮርግስ፡ ዳውን-ሲንድሮም ፈቲኻ እተምጽኦ ስለዘይኮነ፡ ግቡእ ኣተኣላልያን ሓልዮትን ክረኽቡ ምእንቲ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ብዕቱብ ክስራሕ ተላብዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ዳውን-ሲንድሮም፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 12 ግዜኣ እያ ተዘኪራ።

Categories