ኣብ ስራሕ ዝርከብ ኣገልግሎት ዓንሰባ – ኣብ ስራሕ ዝርከብ ኣገልግሎት ፍትሒ ንምህብታም ዘተ ተኻዪዱ ፍትሒ ንምህብታም፡ ብ22 መጋቢት ካብ ሸውዓተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ኣዓንሰባ ዝመጽኡ ወከልቲ ህዝቢን ኣመሓደርትን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ንወለዶታት ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ጭዋ ባህሊ፡ ከምኡ’ውን ኣፋውን ጽሑፋውን ልምድታት ሕብረተ-ሰብና ኣብ ሜላታት ኣተኣላልያ ነገራትን ግርጭታትን፡ ናብ ወለዶታት ዝመሓላለፈሉን ምስ ዘመናዊ ፍርዲ ተሳንዩ ዝኸዱሉን ባይታ ንምምችቻእ ምዃኑ ገሊጻ።

“ክብረት ኣብ ልዕሊ ሕግን ተማእዛዝነቱን፡ ባህላዊ ውርሻን እምነትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እዩ” ዝበለት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣንጻር ኩሎም ውዲታትን ብድሆታትን፡ ብሰላም፡ ብፍቕሪ፡ ምክእኣልን ምትሕልላይን ክነባበር ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ኣረዲኣ።

ካብ’ዞም ጥንታውያን ሕግታትን ስርዓታትን ተበጊስካ፡ ካብ ህዝቢ ዝነቐለን ንህዝቢ ዘገልግልን፣ ክብርታትና ዝዕቅብን ንታሪኽናን መንነትናን ዘጕልሕን፣ ዜግነት መሰረት ዝገበረ ኣድማዒ ተሳታፍነት ዘረጋግጽን ነውሪታት ዘወግድን – ኣገባባት ንምትእትታው፡ ካብ ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ዝቐርቡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎም ኣገንዚባ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ዝተዋህበ ሓበሬታ መነቓቕሕን መበራበርን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ወከልቲ ህዝብን ኣመሓደርትን ተልእኾኦም ብግቡእ ክፍጽሙን ዘድሊ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብንጹር ከመሓላልፉን ኣተሓሳሲቡ።

Categories