ኣብ ንኡስ ዞባ ዓሰብ፡ ኣብ ብቕዓት ኣገልግሎት ትምህርትን ተገዳስነት ተመሃሮን ዘተባብዕ ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ከሓሰ ሞጐስ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብቁጽሪን ደረጃን ብተዓጻጻፊ እናዓበየ ዝመጽአ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ብብቕዓት እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እወታዊ ለውጢ የርኢ ከምዘሎ ዝጠቐሰ መምህር ከሓሰ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ድሕሪ መባእታ ግን ከም’ቲ ዝጀመሮ ይቕጽል ስለዘየለ፡ ንምፍዋሱ ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

እኹል ቁጽሪ መማህራንን፡ ምውዳድ ኣብያተ-ንባብን ኣብያተ-ፈተነን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሱን ዓይነት ትምህርቲ ዝግበር ፍሉይ ሓገዝ፡ ኣብ ዕብየት ውጽኢት ተመሃሮ ልዑል እጃም ስለዘለዎ፡ ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ስሉሳዊ ርክብ ተመሃሮ፡ ወለድን መማህራንን ንምሕያል፡ ከምኡ’ውን ምክትታል ወለዲ ኣብ ዕብየት ትምህርትን ምክትታል ደቆምን ክዓቢ ብቐጻሊ ዝስራሓሉ ምዃኑ ዝጠቐሰ መምህር ከሓሰ፡ ዕዉት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ክሰላሰል፡ ተራ ኮሚቴ ወለዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

Categories