ኣብ 2021 ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ምምሕዳራት ከባቢ ማይ-ሓባር፡ ለዓይተንን ነፋሲትን ብህዝባዊ ወፈራታት ዝተተኽለ 44 ሽሕ ፈልሲታት 70 ሚእታዊት ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዳንኤል ብርሃነ ሓቢሩ።

እቲ ፈልሲታት ኣብ’ቲ ክጸድቀሉ ዝኽእል ወቕቲ’ኳ እንተ ተተኽለ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ሓባር ግና ዛጊት ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ከምዘየርኣየ ዝጠቐሰ ኣቶ ዳንኤል፡ ክኢላታት ሕርሻ ነቲ ጠንቂ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣብ ወቕቲ ክራማት ባሕሪ 2021/2022 ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ እምባትካላ፡ ደንጎሎ፡ ከባቢታት ደብርሓሊብ፡ ምቓዕ ነጋሪት፡ ሓመልማል፡ ጋሓያትን ወሰናስን ጽርግያ ማእከል ከተማ ጊንዳዕን ኣብ ኣስታት 27 ሄክታር ዝተተኽለ 37 ሽሕ ፈልስታት’ውን ልዕሊ 80 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ወቕቲ ሓጋይ፡ ህዝብን ምምሕዳርን ኣብ ምስታዩ ኮነ ምክትታሉ ዕቱብ ስጉምትታት ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ እቲ ኣግራብ ኣብ’ቲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ኣድላዪ ምክትታል ክገብሩ ምጽንሖም ብምሕባር፡ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

Categories