ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተመሃሮ፡ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ክዕደል እንከሎ፡ ን3 ኣዋርሕ ብሞያ ዝሰልጠኑ ድማ ተመሪቖም።

እቶም ንሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ዝበቕዑ ተመሃሮ 64፡ እቶም ብናጻ ብቴክኖሎጂ ኮምፕዩተርን ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲን ዝሰልጠኑ ድማ 100 እዮም።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ ማሕበር ኣብ ምሕያል ብቕዓት ተመሃሮን ምምዕባል ዓቕሚታት መንእሰያትን ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ብምሕዳር፡ እቲ ዝድለ ደረጃ ንምብጻሕ ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ ድማ፡ ብሉጽ ውጽኢት ዘመዝገቡ ተመሃሮ፡ ብደገፍ መማህራኖምን ወለዶምን ንሽልማት ከምዝበቕዑ ጠቒሱ፡ ንዝያዳ ብቕዓት ሓያል ጻዕሪ ከካይዱ መኺሩ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ሓላፊ ስነ-ምምህርና መምህር መብራህቱ ተስፎም ብወገኑ፡ እቲ ዝግበር ምትብባዕ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዩ።

Categories