ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት – ሳዋ፡ ኣባላቱ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዘካይድዎ ሃገራዊ ዕማም፡ ኣካዳሚያዊ ብቕዓቶምን ደረጃኦምን ንምዕባይ ዕቱብን ዝተወሃሃደን ስራሕ የሰላስል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ ስታፍ ጐስጓስን ሓበሬታን ናይ’ቲ ማእከል ካፒተን ብርሃነ ተኽለገርግስ እቲ ኣብ 1996/1997 ዝተበጋገሰን ፍረ ክሕፈሶ ምስ ጀመረ መኻልፍ ዘጋጠሞን መደብ፡ ካብ 2016/2017 ኣትሒዙ ብዝተወደበ መልክዕ ዳግማይ ከም እተጀመረን ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎን ኣረዲኡ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ እኹላትን ብቑዓትን መማህራን ብምምዳብ፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ዝሓበረ ካፒተን ብርሃነ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብጠቕላላ 358 ተመሃሮ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

11 ክፍሊ ዝበጽሑ፡ ዝመጽእ ዓመተትምህርቲ ምስ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ንኽሳተፉ ኣብ ምድላው ከምዝርከቡ ድማ ሓቢሩ።

Categories