ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ ዝርከብ ማእከል ምርምር ስነ-ሓሸራ፡ ብጣንጡ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ምቁጽጻር እወታዊ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ክኢላ ስነሓሸራ ኣቶ መንሱር ዮኑስ፡ እቲ ማእከል ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ሕማም ዓሶ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ንዝነበሮ ኣስተዋጽኦ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ካብ 2020 ብሓድሽ ተወዲቡ ዘድሊ መሳርሒታትን ዓቕሚ-ሰብን ድሕሪ ምዕጣቑ ድማ፡ ካልኦት ብጣንጡ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም ከርፈስን ዌልካምን ኣብ ምቁጽጻር እውን ይነጥፍ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሕማም ዓሶ ብሃገር ደረጃ ከቢድ ጠንቂ ጥዕና ኣብ ዘይኮነሉ ደረጃ ተበጺሑ ከምዘሎ፡ ነዚ ብምዕቃብን ናብ ዝሓሸ ኩነታት ንምስጋርን ድማ፡ መጽናዕቲ ስነ-ሓሸራ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ማእከል፡ ብጣንጡ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ሕማም ዓሶ ድማ ብፍላይ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ – ኣብ ባህርያት ጣንጡ፡ መዓስን ብኸመይን ሕማም ተመሓላልፍ፡ ኣብ መድሃኒት ዘለዋ ተጻወርነት ዘተኰረ ምርምራት ይካየድ።

እቲ ማእከል፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ጋሽባርካን ምስ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ማእከላት፡ ቀጻሊ ናይ ተመኲሮ ምልውዋጥ መደብ ከምዘካይድ ኣቶ መንሱር ገሊጹ።

Categories