ቤት-ጽሕፈት ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ምስ ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2020/2021 ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ 17 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 48 ብሉጻት ተመሃሮ ሸሊሙ።

ብ18 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር እስማዒል ሳልሕ፡ ተሸለምቲ ካብ 7 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዕዞ ትምህርቶም ዝሕግዞም ናውቲ ትምህርቲ ከምእተዓደሎም ሓቢሩ።

ተሸለምቲ፡ ሕልፊ መዛኑኦም ስለዝጸዓሩን ግቡእ ምክትታል ወለድን መማህራንን ስለዘይተፈልዮምን ንሽልማት ከምዝበቕዑ ዝሓበረ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ድማ፡ ብሉጽ ውጽኢት ናይ ዘመዝግባ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ቊጽሪ እናበረኸ ምምጽኡ፡ መርኣያ ተወዳዳርነተን ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ብሉጽ ነጥቢ ዘመዝገቡ ተመሃሮ ምትብባዕ፡ ልዑል ፍናንን ቅዱስ ቅንኢን ዘሕድር ሰናይ ተበግሶ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories