ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብምትሕብባር፡ ሓረስቶት ካብ ቀመማዊ ድዅዒን ጸረ-ባልዕን ወጺኦም፡ ብባህርያዊ ኣገባብ ዝተዳለወ ድዅዒ ኮምፖስትን ጸረ-ባልዕን ንኽጥቀሙ፡ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነን ስልጠናን መደባት ይህብ ኣሎ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ፈተነታትን ግብራዊ መደባትን፡ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 7 መጋቢት 2022፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶሳዋ ንዝርከቡ ሓረስቶት፡ ኣብ ኣገባብ ምድላውን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድዅዒን ጸረ-ባልዕን ስልጠና ከምዝሃበ፡ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ቀመማዊ ድዅዒ ንምግልጋል ኮምፖስት ፈቲኑ ከምዝነበረን ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝረኸበሉን ዝሓበረ፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ዋእካይ ዝመጽአ ኣቶ ዑስማን እድሪስ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝዳሎ ኮምፖስት ንምስራሕ፡ ዝቐሰምዎ ኣስተምህሮ ሓጋዚ ምዃኑን ኣብ ግብሪ ከምዘውዕሎን ገሊጹ።

ነባሪ ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ – ሓረስታይ ሃብተሚካኤል ጸጋይ እውን፡ ደጊም ኣብ ባህርያዊ ድዅዕን ባህርያዊ ጸረ-ባልዕን ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕን ንኻልኦት ኣብነት ከምዝኸውንን ሓቢሩ።

እቲ ንምምስርሑ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ዝነበረ ኮምፖስት፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ጥረ-ነገራት ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንምድላዉ ዘኽእል ሜላ ተኣታትዩ ስለዘሎ፡ ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ነዚ ሜላ’ዚ ክደፍኡሉ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተላብዩ።

Categories