ብሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ) ዝውነን ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ትካል መነጽር ዓይኒ፡ ብርትዓዊ ዋጋ – ተወዳዳሪ ፍርያት የቕርብ ከምዘሎ ተጠቀምቲ ገሊጾም።

ብክኢላ ሓኪም ዓይኒ ዝተኣዘዘሎም መነጽር፡ ኣብ’ቲ ትካል ብርትዓዊ ዋጋ ከምዝረኽቡ ብምሕባር፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘገልግል ትካል ስለዝዀነ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ ክሰፍሕን ክምዕብልን ኣዘኻኺሮም።

ዘመናዊ መሳርሒታት ብምትእትታው ብሉጽ ፍርያት የቕርቡ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ሓላፊ’ቲ ትካል ኣቶ ተስፋይ ገብረእየሱስ፡ ኣብ 2009 ብውሱን ዓቕሚ ዝጀመረ ንጥፈታቶም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዓይነት ለንስን ፍሬምን ከቕርቡ በቒዖም ከምዘለዉ፣ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ስንኩላን ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ንኹሎም ብሞያውያን ዝተኣዘዘሎም ዜጋታት ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ቴክኒሻን ሙኒር ዓብደልዋሃብ፡ እቲ ትካል ስንኩላን ኣብ ቀረባኦም መነጽር ዝረኽቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ ከምእተደኰነ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ጨናፍር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ብዝገብራኦ ቀጻሊ ኣበርክቶን ዝተኣታቶ ዘመናዊ መሳርሒታትን ድማ፡ ብቑዕ መነጽር የፍሪ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories