ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ብ16 መጋቢት ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 2 ሽሕ ተመሃሮን መማህራንን ዝተሳተፍዎ ሰሚናር፡ ኮሎኔል መሓሪ፡ ተልእኾ ፖሊስ ኤርትራ ሰላምን ልዕልና ሕግን ዝሰፈና ሃገር ምውሓስ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ተመሃሮ ኮለጅ መጻኢ ሃገር ኣብኦም ከምዝምርኰስ ተገንዚቦም፡ ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ባህሪያትን ወልፍታትን ተቘጢቦም፡ ኣብ ምክልኻል ገበን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ተላብዩ።

ኣብ ኮለጃት ሓሓሊፎም ብዛዕባ ዝርኣዩ በደላትን ዘይስነ-ምግባራዊ ባህሪያትን ዝዘከረ ኮሎኔል መሓሪ፡ ተመሃሮ ኮለጅ ራኢኦም ንምስማር፡ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ተግባራት ተሓዪቦም ኣብ ትምህርቶም ከተኲሩን ብመንገዲ ዓወት ክመላለሱን መኺሩ።

ኣብ 2020ን 2021ን ዝተፈጸሙ ዳህላክ ገበናትን በደላትን፡ ከምኡ’ውን ዘጋጠሙ ሓደጋታት ትራፊክን ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ክሳራን ብዝምልከት እውን፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ።

ዲን ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስጐዶም፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናራት፡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዩ።

ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ብ2 መጋቢት እውን ንተመሃሮ ኮለጅ ምህንድስናን ተክኖሎጅን ማይ-ነፍሒ ተመሳሳሊ ሰሚናር ኣካዪዱ ነይሩ።

Categories