ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ መርመራ 12 ክፍሊ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2020/2021፡ ካብ 3 ክሳብ ምሉእ 4 ነጥቢ ዘመዝገቡ 178 ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ሰማእታት ተሸሊሞም።

ብ13 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ሰማእታት መምህር ዑቕባስላሴ ተወልደ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቶም ተመሃሮ ዘመዝገብዎ ውጽኢት፡ ፍረ ጻዕሮምን ጻዕሪ ወለዶምን መማህራኖምን ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ጻዕሪ ንዝለዓለ ውጽኢት ብውህደት ክቕጽል፡ ንካልኦት እውን ክጸሉ ተላብዩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ደቡባዊ ምብራቕን ወኪል ኮሚቴ ወለዲን ብወገኖም፡ ተሸለምቲ በዚ ከይተዛነዩ፡ ኣብ ናይ ኮሌጅ ትምህርቶም ንፉዓትን ኣብነታውያንን ኮይኖም ክቕጽሉ ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ንሃበርም ተመሃሮ ምትብባዕ ንዝበለጸ ውጽኢት ዝድርኽ ስለዝዀነ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories