ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ዳህላክን ኣፍዓበትን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣብ ንኡስ ባጽዕ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት – 16 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 35 ኣመሓደርቲ ከም እተመርጹ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተወልደ ተስፋዝጊ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ንዝመረጾም ህዝቢ ብእምነትን ተወፋይነትን ከገልግሉ ዘለዎ እምነት ገሊጹሎም። ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ብተመሳሳሊ፡ 27 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 91 ከም እተመርጹ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ፡ ኣመሓደርቲ – ነቲ ኣሚኑ ዝመረጾም ህዝቢ ብግቡእ ከገልግልዎ ኣዘኻኺሩዎም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ድማ፡ 12 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 40 ከም እተመርጹ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ኣቶ ኣሕመድ ቡካልያ፡ ንህዝቦም ብብቕዓት ከመሓድሩን ኣብ ኩሉ-መደባት ልምዓት ድርኺት ክፈጥሩን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት እውን፡ 74 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 241 ኣመሓደርቲ ተመሪጾም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ፡ ኣብ’ቲ ምርጫ ንዝተራእየ ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮ ሞጒሱ።

Categories