ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ትግባረ ናይ’ቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእን ንምቊጽጻርን፡ ኣብ 2020ን 2021ን ዝወጽአ መምርሒታት ሓይሊ ዕማም መኸተ ኮሮና ቫይረስ ዝተራእየ ዕቱብነት ተሞጒሱ።

ብ16 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ – ኣቦመንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ ኣመሓደርቲ 16 ንኡሳን ዞባታትን ካልኦት ሓለፍትን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ጸሓፊ ሓይሊ ዕማም ዞባ ማእከል ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ካብ ወርሒ መጋቢት 2020 ጀሚሩ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምስናይ ብድሆታቱ፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ተን ግዝያውያን ማእከላት ውሸባ ዝተዓመ ስራሕን ንገያሾ ዝተገብረ መርመራታትን ኣቕሪቡ።

ብደረጃ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ከባብን ቀጻሊ ርክባት እናተገብረ፡ ብመሰረት መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማምን ሚኒስትሪ ጥዕናን፡ ኣብ ትካላት፡ ጐደናታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ዕቱብ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ ከምእተዓመ፡ ኣቶ ቴድሮስ ኣረዲኡ።

ንኣብያተ-ትምህርቲ 2,251 ዲጂታል ናይ ረስኒ መዐቀኒ ከምእተዓደለን፡ ዝተጣሕሱ ቅጥዕታት ብኣጋ ብምልላይ ኣራሚ ስጉምቲ ከምእተወስደን ብምሕባር ከኣ፡ እቲ ሓደጋ ገና ስለዘይተኣልየ እቲ ምክትታል ቀጻሊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ድማ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ካብ’ቲ ፈለማ ዝነበሮ ናህሪ ኣዝዩ ጐዲሉ’ኳ እንተሎ፡ ስግኣቱ ስለዘይተቐንጠጠ – እቲ ናይ ምክትታልን ምኽባር መምርሒታትን
ስራሕ ብውህደት ኩሎም ኣካላት መንግስትን ምምሕዳራትን ብልዑል ንቕሓት ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories