ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ናይ’ቲ ዞባ ብምትሕብባር፡ እናዛየደ ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ብ11 መጋቢት ኣብ ባጽዕ ንመራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣስተምህሮ ሂቡ።

ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሜጀር ንርኣዮ ጸጋይ፡ ኣብ 2021 ብሰንኪ ምቅድዳም፡ ሰቲኻ ምምራሕ፡ መንገድኻ ዘይምሓዝ፡ ብዘይደረጃኻ ምምራሕ፡ ጽዕነት ብግቡእ ዘይምእሳር፡ ኣብ ኵርባ ምቕዳም፡ ርሕቀትካ ዘይምሕላው፡ ቀዳምነት ዘይምሃብን ብካልኦት ጥሕሰታትን ብዘጋጠመ 149 ሓደጋታት ትራፊክ፡ ህይወት 5 ሰባት ከምዝሓለፈን 70 ከምዝቘሰሉን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንብረት ናይ ኣስታት 3.8 ሚልዮን ናቕፋ ክሳራ ከምዝወረደ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ናይ 2022 ግዜ ንዘጋጠመ ሓደጋታት ብዝምልከት ድማ ሜጀር ንርኣዮ – 62 ሓደጋታት ከምዘጋጠመን፡ ብሰንኩ 5 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 39 ከምዝቘሰሉ፡ ኣብ ንብረት እውን ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ክሳራ ከምዝወረደ ሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻርን ድሕነትን ኣቶ ኤፍሬም ወልዱ እውን፡ ብሰንኪ መምርሒታትን ሕጋጋትን ዘይምኽባር ዝስዕብ ዘሎ ሓደጋታትን ዕንወትን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ብምምልካት፡ መራሕቲ መካይን ብሕግታት ትራፊክ ክመላለሱ፡ ዕጥቅታት መኪና ከማልኡ፡ ዓመታዊ መርመራን ኢንሹራንስን ኣብ ግዜኡ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣጸገምቲ ጽርግያታት ብኣጋ ክጽገኑ፣ ባውዛ ዘለወን መካይን ግቡእ ምክትታል ክግበረለንን ስጒምቲ ክውሰደለንን፣ ተሓጋጋዚ መራሕ መኪና/ ኣይታንቲ ክፍቀድ፡ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories