ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ትማሊ ተፋንዩ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ፡ 9,722 በጺሑ ኣሎ።

9,618 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ ሓደ ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ዝርከብ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 17 መጋቢት 2022

Categories