ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዝርከብ ክፍሊ ውሽጣዊ ሕማማት፡ ኣገልግሎቱ ብስፍሓትን ዓይነትን ይብርኽ ከምዘሎ፡ ሓላፊ’ቲ ክፍሊ ዶ/ር ጐይትኦም ሓጐስ ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ፡ ናይ ህጹጽ ረድኤት፡ እናተመላለሱን ተዓቚቦምን ናይ ዝሕከሙ ከምኡ’ውን ናይ ኲሊት ኣገልግሎት ከምዝህብ ብምሕባር፡ ኣብ 2021 ልዕሊ 33 ሽሕ ተመላሊሶም፣ ኣስታት 15 ሽሕ ድማ ተዓቚቦም ዝተሓከሙ ከም ዘአንገደ ገሊጹ።

ናብ’ቲ ክፍሊ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተመላለሱ ሕሙማት፡ እቶም 26 ሚእታዊት – ጸገማትን ሕማማትን ስርዓተ-ምስትንፋስ፡ ድኻም ልቢ፡ ካንሰርን ጸገማት ስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢን ዝነበሮም ምዃኖም እውን ኣረዲኡ።

ኣብ ኮለጃት፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት-ሞያ ጥዕና ትምህርቶም ዝከታተሉ ተመሃሮ፡ ትምህርቶም ብግብሪ ንምስናይ ናብ’ቲ ሆስፒታል ቀጻሊ ከምዝመላለሱ ዝጠቐሰ ዶ/ር ጐይትኦም፡ ንፍልጠቶም ዝድርዕ ግብራዊ ትምህርቲ ብገዳይም ዶክተራት ከምዝወሃቦም ሓቢሩ።

Categories