ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሕረት፡ ጨዓሎ-ሃዳድምን ዓዲ-ለጂን ንዝርከባ 11 ዓድታት ዘገልግል፡ ሓድሽ መስመር ከፊቱ።

እቲ ብ10 መጋቢት ዝጀመረ ሓድሽ መስመር፡ ካብን ናብን ከተማ ዓዲ-ቐይሕን ዓዲ-ለጂን ኣገልግሎት ዝህብ እዩ።

ሓላፊ ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ግርማይ ዓንደማርያም ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ነቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ንምጽጋን ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝደረኾም ብምሕባር፡ እቲ ጽርግያ ከይበላሾ ቀጻሊ ምክትታልን ጽገናን ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ነቲ ዝተወስደ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ቀጻልነት ኣገልግሎቱ ንምውሓስ – ነበርቲ ነቲ መስመር ብቐጻሊ ክከታተልዎን ክጽግንዎን ኣዘኻኺሩ።

Categories