ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተወደበ፡ ዓውደ-ዘተ ‘ሃገራዊ ዳህሳስ ኢደጥበባዊ ስርሓት’ ብ10ን 11ን መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።

ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኢንዱስትርያዊ ልምዓት ኣቶ ታደሰ ወልደዮውሃንስ፡ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት ነጸብራቕ ባህልን ልምድን፡ ከምኡ’ውን መግለጺ መነንት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከም ምንጪ ሽቕለትን ተወሳኺ ዘቤታዊ እቶትን እውን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንመበቈላውነቱ ብዘይሃሲ ኣገባብ ምብርባሩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ኢደ-ጥበባውያን ኤርትራ፡ ንጂግራፊያዊ ቦታን ብዙሕነት ሕብረተሰብን ዘንጸባርቕ፡ ኣብ ስርሓት ካይላ፡ ዕንቊ፡ ዛዕጐል፡ ቈርበት፡ ላኻ፡ ሪክያሞ፡ ስፌትን ምስራሕ መግፈፊ ዓሳ ሰኪዔትን ዘፍርይዎ ናውቲ ምስ ዝተባባዕ፡ ኣብ ምሕያል ቁጠባዊ ዓቕሚ ገጠራት፣ ምስሳን ሽቕለት ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን፣ ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ምንካይ ድኽነት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገብር ኣረዲኡ።

ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ካብ 2017 ጀሚሩ፡ ልምዓት ኢደ-ጥበብ ብንጹር ፖሊሲን ስትራተጂን ዝምርሓሉ ውጥን ንምስኣል መጽናዕትታት ከካይድ ምጽንሑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ – ንህሉው ኩነታት፡ ብድሆታትን መጻኢ ዕድላትን ኢደ-ጥበብ ሃገርና ዘጠቓለለ ዓማሚ ሓበሬታ ንምእካብ፡ ካብ 2019 ክሳብ 2020 “ዳህሳስ ኢደ-ጥበባት ኤርትራ” ከምእተኻየደ ገሊጹ።

እቲ ዳህሳስ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ንድፊ ብምብጽሑ፡ ብርእይቶን ተወሳኺ ሓበሬታን ሃብቲሙ ብቑዕ ሰነድ ንክኸውን፡ እቲ ዓውደ-ዘተ ከምእተወደበ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተወከሉ ኣባላት ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፣ ሓለፍቲ ክፍልታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዞባ ዓንሰባ፣ ሞያውያን ኢደ-ጥበብን ካልኦት ዕዱማትን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories