ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ብ10 መጋቢት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ማዪክ ኣዪ ዴንግ ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ህልው ኩነታት ዞባና ብሓፈሻን ዘትዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ጸገማቱ ባዕሉ ክፈትሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ዘነጸረ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንኽትግበር፡ ናይ ወትሩ ደገፍ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን ብተወሳኺ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዘርብሕ ቊጠባዊ መደባት ተመያዪጦም።

ብዘይካ’ዚ፡ ብዛዕባ መሰልን ግቡኣትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ድማ ብቐንዱ ዘትዮም።

ሚስተር ማዪክ ኣዪ ዴንግ፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንሃገሩ ንዝገብርዎ ኩሉመዳያዊ ደገፍ ሞጒሱ።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ ኣቕዲሙ እውን፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚስተር ዴንግ ዳው ዴንግ ተመሳሳሊ ርክብ ከምዘካየደ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories