ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ምስ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምትሕብባር – ብዓውድታት ሕሳብን ምሕደራ ቤትጽሕፈትን ዘሰልጠኖም 52 ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ፡ ብ11 መጋቢት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃኮሰኤ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃብተማርያም ተስፋሚካኤል፡ እቲ ስልጠና ዕላማኡ – ኣምር ንዝጸንሖም ፍልጠቶም ንምድራዕ፣ ነቶም ብልምዲ ክነጥፉ ዝጸንሑ ድማ ስነ-ፍልጠት ዝተሓወሶ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎታት ንምውሓስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ኣቶ ኣሚነ ከተማ እውን፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ፡ ኣብ ምንቕቓሕን ምሕያልን ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እወታዊ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብራሃ ሃኮሰኤ ሰራሕተኛታት ሞያ ንምዕጣቕ ንዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት ብምምጓስ፡ ነቲ ስልጠናታት ዝያዳ ንምውርጻጹን ንምድራዑን፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ተወሃሂዱ ክሰርሕ ተላብያ።

Categories