ኣባላት ሃማደኤ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት ዞባ ማእከል፡ ብ9 መጋቢት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ንዝእለያ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ ብምብጻሕ፡ ናይ ኣልባሳትን ናውቲ ጽሬትን ሓገዝ ገይረናለን።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ መዲካል ዳይሬክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዶ/ር ዮናስ ክፍለማያም፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተበግሶን ሓገዝን፡ ነተን ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረለን ዘሎ ግዳያት ፊስቱላ፡ ኣተባባዒ ስነኣእምሮኣዊ ጽልዋ ስለዘለዎ – ኣብ ምፍዋሰን ዘለዎ ተራ ብቐሊል ከምዘይግመት ኣረዲኡ።

እቲ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተወደበ መደብ፡ ነተን ኣካል ሕብረተ-ሰብ ዝዀና ግዳያት ፊስቱላ ንምትብባዕ ዝዓለመ ከምዝዀነ ዝሓበራ ወደብቲ ናይ’ቲ መደብ፡ ከም’ዚ ዓይነት ተበግሶታት ብካልኦት ትካላትን ውልቀ-ሰባትን እውን ክሰዓብ ተላብየን።

ክኢላ ሕክምና ማህጸን ዶ/ር ሃብተ ሃይለመለኮት፡ ጠንቅን ሳዕቤናትን ፊስቱላ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ሕብረተ-ሰብ ክነቕሓሉ፣ ስድራ-ቤታትን መጻምድትን ድማ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ተነጽሎን ኣድልዎን ከይገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

Categories