ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ግቡእ ወተሃደራውን ሳዋ፡ ተመሃሮ ሞያውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣመሪቓ ፖለቲካውን ስልጠናታት ዝቐሰሙ ኣባላት መበል 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀኑ – ተመሃሮ ሞያውያን ኣብያተትምህርቲ፡ ብ13 መጋቢት ተመሪቖም።

ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ኣዘዝቲ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።

ምክትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሌተና ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል፡ ተመረቕቲ – ኣብ ናቕፋ፡ ሓጋዝ፡ ደቀምሓረ፡ ማይ-ሓባርን ኣስመራን ተደኲነን ካብ ዝርከባ 7 ኣብያተ-ትምህርቲ ሞያ ብደረጃ ሰርትፊኬት ዝተመረቑ፣ ውሑዳት ድማ፡ ኣብ ኮሎጃት ትምህርቶም ወዲኦም ንታዕሊም ዝወረዱ ምዃኖም ብምሕባር፡ እተን 44.3 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝዀና ኣረዲኡ።

ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንዝቐሰምዎ 1,154 ሰዓታት ዝሸፈነ ኩሉ-መዳያዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝርዛር ድማ፡ ከም ማሕላኦም – ጽኑዓት፡ እሙናትን ጻዕረኛታትን ብምዃን፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብትግሃትን ተወፋይነትን ከገልግሉ ተላብዩ።

ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ተመረቕቲ ዝተመደበሎም ትምህርቲ ብብቕዓት ብምዝዛሞም ‘ዮሃና’ ድሕሪ ምባል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት – ምግልጋል ሃገርን ህዝብን ስለዝዀነ፡ እዚ ክብሪ’ዚ ከም ባህሊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዝለዓለ ንቕሓትን ብቕዓትን እናተወራረሰ ክኸይድ ምርኣይ፡ ዘሕብን ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ተመረቕቲ፡ ትጽቢት ህዝብን ሃገርን ብግብራዊ ስራሕ ንምምላእ ዘለዎም ድልውነት፡ ብቃለ-ማሕላ ኣረጋጊጾም።

Categories