ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ካብ 28 ለካቲት ክሳብ 9 መጋቢት ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሰሜንን ደቡብን መንሸብ፡ ገድገድ፡ ወቂሮ፡ ቲሉክ፡ ወድ-ኢሉ፡ ሸልሸላን ኪሎን ዝተኻየደ ምርጫ፡ 7 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 56 ሕጹያት ከምዝቐረቡ፣ 16 ካብኣቶም ድማ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን ኰይኖም ከም እተመርጹ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ኣመሓደርቲ፡ ተልእኾኦም ብትግሃትን ተወፋይነትን ክሰርሑ ዘለዎም ድልውነት ብምግላጽ፡ ደገፍን ምትሕብባርን ህዝቢ ከይፍለዮም ተማሕጺኖም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ቅድሚ ምርጫ – ኣብ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተኻየደ ጐስጓስን ኣስተምህሮን፡ ኣብ ዓወት ናይ’ቲ መስርሕ ልዑል ተራ ከምእተጻወተ ገሊጹ።

Categories