ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን፡ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እንግዶት ብምግባር ኣተባቢዖም።

ኣብ’ቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣመሓደርቲ ናይ’ተን ንኡሳን ዞባታትን ወከልቲ ህዝብን ዝተረኽቡሉ ኣብ ሓውሲከተማ ኦምሓጀር ዝተኻየደ እንግዶት፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወ/ሮ የሕደጋ ዮውሃንስ፡ 8 መጋቢት ምስ ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ምብዓለን ሓበን ከምዝስምዐን ገሊጻ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ጃብራ ድማ፡ ንውፉይ ተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ምውሓስ ልኡላውነት፣ መደባት ህንጸትን ምግታእ ድሑር ልምድን ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሓድሽ ምዕራፍ መኸተ እዋን እውን፡ ኣበርክቶአን ወሳኒ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ምክትታል ዶባት ኮሎኔል ዮናስ ብጹኣምላኽ እውን፡ ኣባላት ሃማደኤ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን ንዝወሰዳኦ ተበግሶ ኣመስጊኑ።

ነበርቲ ከተማ ተሰነይ፡ ኣቐዲሞም 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ብምውጻእ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዓይነታዊ ደገፍ ኣበርኪቶም ነይሮም።

Categories