ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ብቐሊል ዘይግመት ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ሓደጋታት ትራፊክ ንኽግታእ፡ ሕግታት፡ መምርሒታትን ምልክታትን ክኽበሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ሓላፊ መርመራ ሓደጋ ትራፊክ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ከሰተ ክፍለሚካኤል፡ ሓደጋታት ንምክልኻል፡ እቲ ቀንዲ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ሕግን ድሕነትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ድማ ንድሕነት ነብሶምን ህዝቦምን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ሕጊ ትራፊክ ከኽብሩን ብኣኡ ክመላለሱን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ሓደጋታት፡ ኩቱር ናህሪ፡ መስመርካ ዘይምሓዝ፡ ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ትሑት ብቕዓት ኣመራርሓ፡ ጥዕና መኪናኻ ዘይምሕላው፡ ፍቓድ ዘይብልካ ምምራሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዕዞ እንከለኻ ቴለፎን ምድዋልን ምድቃስን ከምዘጠቓልል ድማ ሓቢሩ።

ካብ 2019 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበራ 3 ዓመታት ብዘጋጠመ 60 ሓደጋታት መካይን፡ 7 ሰባት ከምዝሞቱን 77 ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ዝሓበረ ኣቶ ከሰተ፡ ኣብ ንብረት ድማ ናይ 1,167,460 ናቕፋ ዕንወት ከምዝወረደ ገሊጹ።

Categories