ኣብ ቆላታት ልሙድ ዘይነበረ ልምዓት ድንሽ፡ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ብምልላይ ዝተገብረሉ ፈተነ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ከምኡ’ውን ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣስታት 47 ሄክታር ዝተገብረን 109 ሓረስቶት ዘሳተፈን ፈተነ፡ ውጽኢቱ ዝምስገን ኰይኑ ስለዝተረኽበ፡ ኣብ መጻኢ ክድፋኣሉ ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ’ቲ ናይ ፈተነ ተበግሶ ዝተሳተፉ ሓረስቶት – ኣቶ ፍትዊ ገብረስላሴ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ፌስኮን ኣቶ ዑቕባሚካኤል ሰሎሞን ካብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ- ኢብርሂምን፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዘሎ ልዑል ሙቐት፡ ድንሽ ክለምዕ ይኽእል’ዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘይነበሮም፣ እንተዀነ ኣብ ወቕቲ ዛሕሊ ኣብ ባይታ ምስ ፈተንዎ፡ ልምዓት ድንሽ ከምዝከኣል ብተግባር ከምዘረጋገጹ ኣረዲኦም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ሙሉጌታ ሓጐስ፡ ልምዓት ድንሽ-ቆላ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ከምዝከኣል ስለዝተረጋገጸ፡ ሓረስቶት ኣብ ዝመጽእ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ኩሉ ምድላዋቶም ብኣጋ ከጻፍፉ ብምዝኽኻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ እኹል ዘርኢ ከምዝቕርብ እምነቱ ገሊጹ።

Categories