ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ሳዋ ከምኡ’ውን ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ብልዑል ድምቀት ተዘኪራ።

እቲ ተመሃሮ መበል 13 ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ተዓለምቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-ኪነት፡ ሲቪል ሰራሕተኛታትን ኣለይቲ ተመሃሮን ዝተሳተፍዎ ናይ ሳዋ መደብ፡ ኣብ መንጎ ደቂ-ኣንስትዮ ብዝተሰርዐ ወድድራት ስፖርት፡ ስነ-ጥበብ፡ ባህልን ሓፈሻዊ ፍልጠትን ዝተሰንየ ነይሩ።

ምክትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሌተና ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣርማ ጽንዓትን ዘይተምበርካኽነትን፣ ትብዓትን ጅግንነትን ምዃና ብምጥቃስ፡ ሕቶ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሃገርና፡ ብመስዋእትን ውፉይ ስራሕን ዝተረጋገጸ ሓደ ካብ ክብርታት ከምዝዀነ ገሊጹ።

ተመሃሪት ‘ማሞስ’ መንእሰይ ዘይነብ ኣሚር ድማ፡ ንቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሉእ ኣግእዞ ብርቅን ፍሉይን ካብ ዝገብሮ ረቛሒታት፡ ሰፊሕን ኣድማዕን ሱታፌ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ከምዝዀነ ኣረዲኣ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ሪያድ ኣብ ዝወደቦ መደብ፡ ኣደ-መንበር ጨንፈር ወ/ሮ አልሳ ኪዳነ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፡ በቲ ያታአን ዝኾነ መትከላዊ እምነት፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ብድሆ ብምስጋር፡ ንምሉእ ኣግእዞ ዝጀመራኦ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ይሰርሓ ከምዘለዋ ገሊጻ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኣቶ ዓብደልራሕማን ኢማም ድማ፡ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ዝለዓለ ትምህርቲን ቴክኖሎጂን ዓጢቐን፡ ብምዕሩይ ሱታፌ ንሃገረንን ህዝበንን ክሕግዛ፡ መድረኽ ዝሓቶ ኣርእስቲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጅዳ ኣቶ ዓብዱራሕማን ዑስማን ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኤርትራውያን በርቲ ጅዳን ከባቢኣን ኣብ ዝወደብዎ ጽምብል፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ጅዳ ወ/ሮ ኑራ ሓጅ ዓሊ፡ ድልውነት ኣባላት ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጻ።

Categories