ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ 388 ተመሃሮ፡ ሽልማት “ዒንደማሶ” ተቐቢሎም።

ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ካብ 11 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ተመሃሮ፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ነጥቢ ዘመዝገቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ፡ ምሕያል ዓቕሚታት መንእሰያት ብትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ማሕበር ምዃኑ ብምሕባር፡ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብምትሕብባር፡ ኣብ ተመሃሮ ቅዱስ ቅንኢን ናይ ተዋዳዳርነት መንፈስን ንምሕዳር፡ ንኣብነታውያን ከተባብዕ ምጽንሑ ኣረዲኡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ተወልደ ኣብርሃም ድማ፡ ተሸለምቲ ተመሃሮ ሕልፊ መዛኑኦም ስለዝጸዓሩን ግቡእ ምክትታል ወለዲ ስለዘይተፈልዮምን ንሽልማት ከምዝበቕዑ ብምምልካት፡ ብቕዓት ትምህርቲን ተመሃሮን ንምርግጋጽ፡ ተሳትፎ ስድራቤታትን መላእ ሕብረተ-ሰብን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories