ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ጸናፍ፡ ኣብ ማሕበረቁጠባዊ ህይወቶም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብደገፍ ማሽነሪ ይጽግንዎን የስፍሕዎን ኣለዉ።

እቲ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ – መንደፈራ ናብ ዓዲ-ጸናፍ ዝኣቱ 7 ኪሎ-ሜተር መስመር፡ ብምሩጽ ሓመድ ይድግደግ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ምጽጋን መደብ፡ ህዝቢ ኣብ ርእሲ’ቲ ብጉልበቱ ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ብምውጻእ፡ ልዕሊ 10 ማሽነሪታት ኣዋፊሩ ከምዘሎ፡ ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ ስራሕ ገሊጾም።

እቲ ዝጽገን ዘሎ ጽርግያ፡ ስፍሓቱ ካብ’ቲ ዝነበሮ ናይ 4 ክሳብ 5 ሜተር ብዕጽፊ ይውስኽ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ከምእተዛዘመን፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ተኽሉ ፍስሓጼን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ተሪፉ ዘሎ ስርሓት ንምምላእን መትረብ ውሕጅ ንምስራሕን፡ ካብኦም ዝሕተት ንምፍጻም ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ዓዲ-ጸናፍ፡ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ኣስታት 19 ኪሎ-ሜተር ትርከብ።

Categories