ኣብ ከተማ ከረን፡ ብኣሃዱ ጽሬት ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት፡ ኮማዊ ሰረት ንምትሓዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬት ከተማ ከረን ኣቶ ዓብዱ ሓሰብረቢ ሓቢሩ።

ኣቶ ዓብዱ፡ ኣብ ከባቢ ማይ በላ ዝርከብ መተሓላለፊ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ወነንቲ ትካላት ናይ’ቲ ከባቢ ግቡእ ሓለዋ እናገበሩ ንምጽራዩን ምክትታሉን ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይ’ቲ ህዝቢ ኣብ ጽሬት ዘለዎ ንቕሓት ምዃኑ ጠቒሱ።

ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰሙናዊ ወፈራ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ነበርቲ ልዑል ጽልዋ ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ነፍሲ-ወከፍ ነባሪ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ኣብ ኣርባዕተ እብረ ተኸፋፊለን፡ መዓልታዊ ናይ ጽሬት ንጥፈታት ዘካይዳ ኣዴታት ከምዘለዋን ኣበርክቶአን ዝምስገን ምዃኑን ብምሕባር፡ ብነበርቲ ንዝግበረለን ምትብባዕ ንኢዱ።

ናይ ጐሓፍ ኣጋንእ ኣብ ዘልዕላ ማካይን፡ ብሰንኪ እርጋን ሳሕቲ ጸገማት ስለዝርአ ከኣ፡ ኣገዳስነተን ተራእዩ ቆላሕታ ክግበረለን ኣተሓሳሲቡ።

እተን ኣብ ጽሬት ዝተዋፈራ ኣዴታት ብወገነን፡ ኣብ ጐደናታት ብብዝሒ ዝድርበ ዘሎ ማስክ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ኣብ’ቲ ዝግብኦ ቦታ ክጐሓፍ ተማሕጺነን።

Categories