ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ባጽዕ ንዝቕመጣ 10 ጽጉማት ደቂኣንስትዮ ተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ ናይ ብሽክለታ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፡ ኣካል ናይ’ቲ ደቂኣንስትዮ ንምትብባዕን ተሳታፍነተን ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይን ዝግበር ደገፍ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር እስማዒል ሳልሕ፡ እቲ ንዋታዊ ደገፍ ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ብወገኑ፡ ተሳታፍነት ዜጋታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምርግጋጽ፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝህነጽ ዘሎ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሓያሎ ስራሓት ይሰላሰል ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ደገፍ፡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ኣቶ ረሺድ ኣስዒቡ፡ ብዘይካ’ተን ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ዝተዓደላ 10 ብሽክለታታት፡ ካልኦት 30 ብሽክለታታት ናብ ካልኦት ንኡሳን ዞባታት ክመቓርሓ ምዃነን ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብ3 መጋቢት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዓይነታዊ ለውጢ ንምምጻእን ብሉጻት ተመሃሮ ንምፍራይን፡ ንጡፍ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ኮሚቴ ወለዲ ድማ ብፍላይ ወሳኒ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሓላፊ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ መምህር እስማዒል ሳልሕ፡ ብቕዓት ተመሃሮ – ብመንጽር ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ክርአ እንከሎ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ
ዘመዝገቡ ተመሃሮ ቊጽሪ፡ ኣብ መባእታ ብ2.5 ሚእታዊት፣ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ድማ ብ1.5 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግና፡ ብ2.6 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ፡ እርጋን ኣብያተትምህርቲ፡ ጽበት መምሃሪ ክፍልታት፡ ዋሕዲ ሰደቓታትን መጽሓፍትን፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ መማህራን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ብምምልካት፡ ቈላሕታ ክወሃቦም ተማሕጺኖም።

Categories