ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ተበጋጊሶም ዘለዉ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንምዕዋት፡ ናይ ህዝቢ ተሳትፎን ኣድማዒ ምሕደራን መሰረታዊ ስለዝዀነ፡ ኣመሓደርቲ ቀላሲ ተራኦም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ወልደሚካኤል ብ4 መጋቢት ብተሳትፎ ኣመሓደርቲ ሽዱሽተ ዞባታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ – ንጥፈታት 2021 ዝተገምገመሉን ኣብ መደባት ስራሕ 2022 ዝተዘተየሉን ኣኼባ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝተተግበረ ልምዓታዊ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ፡ ምምሕዳራውን ኣገልግሎታውን መደባት ንዝተራእየ ተሳትፎን ናይ ምግባር ዓቕሚን ብምምጓስ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን ኣብ ኩሉ-መዳያት እናተሓደስ ዝኸይድ መደባት ስራሕ ክተኣታቶ ተላብዩ።

ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ብህዝብን መንግስትን ዝተኻየደ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን፣ ቀረብ ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ንምውሓስ ዝተዓመ ስራሕ፣ ከምኡ’ውን መስኖኣዊ ሕርሻ ንምምዕባልን ንምስፋሕን ዝተገብረ ወፍሪ ዝምልከት ዝርዝራዊ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ኣብ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መራኸቢታት፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ናይ ሓመድን ቅጥራንን ጽርግያታት፡ ኣብ ፕሮጀክታት ማይን ካልእን ውጽኢታውን ዘተባብዕን ስራሕ ከምእተዓመ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተ-ሰብ ካብ ጥሕሰት ኣዋጅ መሬት ክጥንቀቕ፣ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ካብ ምስራሕ ክቑጠብ፣ ኣብ ምኽፋል ግብሪ ጥሪትን መሬትን ኣጥርይዎ ንዘሎ ንቕሓት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ተላብዮም።

ተወጢኑ ዘሎ መደባት ንምዕዋት ዝሕግዝ፡ ሓሳባትን ርእይቶታትን እውን ኣቕሪቦም።

Categories