ተቐማጦ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባረንቱ፡ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ ጽርግያታት ብወፈራ ጸጊኖም።

በቲ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሰላም፡ ቢያራን ፍትሒን ዘካየድዎ ወፈራ፡ ብክራማት ዝተበላሸወ መስመር ከምእተጸገነን፡ ጠንቂ ሓደጋ ክኾኑ ዝኽእሉ ኣብ ወሰናስን ናይ’ቲ ጽርግያ ዝበቘሉ ኣግራብ ከምእተኣልዩን፡ ሓላፊ ኣሃዱ ቁጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ወልደየሱስ ተኪኤ ሓቢሩ።

ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ናይ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ወፈራዊ ስራሓት ብዝለዓለ ኣወዳድባ ከምዝድፋኣሉ ኣረጋጊጾም።

ተሳተፍቲ በቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣድማዕነት ስራሕ ዋሕዲ ናውቲ ማእቶት ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

Categories