ሃማደኤ ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ዝወደቦ – ዝኽሪ 8 መጋቢት-ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣደ-መንበር ናይ’ቲ ጨንፈር ወ/ሮ ብርሂን ዑቕባይ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ብብቕዓት ተሳትፎአን የዕዝዛ ከምዘለዋ፣ እዚ ድማ ውጽኢት ቃልሰንን ጽኑዕ መብጽዓ መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀነ ገሊጻ።

ሓላፊ ኮማውን ህዝባውን ጉዳያት ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ ያሲን ዑመር፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣያኦ ጽንዓትን ተወፋይነትን፡ ሎሚ’ውን ውዳበኤን ብምስጣም ኣብ መደባት ልምዓት ሃገርን መኸተን ይደግማኦ ምህላወን ኣብሪሁ።

ኣቶ ያሲን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ማሕበር ዘይተጠርነፋ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃማደኤ ይኹን ኣብ ማሕበረ-ኮም ተጠርኒፈን ሽግራተን ኣብ ምፍታሕ ክቃለሳን ኣበርክቶአን ከዕዝዛን ተላብዩ።

ጸሓፊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከተማ መልበርን ኣቶ ሃብቶም ጆቫኒን ኣቦመንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዞባ ቪክቶርያ ኣቶ ኪዳነ ግንቦትን ድማ፡ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዖም።

Categories