ኣብ ማእከል ጥዕና ጎልጅ – ማእከል ጥዕና ጎልጅ ኣገልግሎታ ተስፍሕ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሃማደኤን ህዝባዊ ሰራዊትን ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዝተሰርሐ ሰለስተ ክፍልታት ዘለዎ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ተመሪቑ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

ሓላፊ’ታ ማእከል ኣቶ ተኽለ ዘወንጌል፡ ኣብ ሓለዋ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ጥዕና ኣደን ህጻንን ድማ ብፍላይ ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ህንጸት ናይ’ቲ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ኣብዚ መዳይ’ዚ ተራኡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ማእከል ጥዕና ጎልጅ፡ ናይ ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ስነ-መግብን ዕብየት ቈልዑን፡ ጥንስን ሕርስን፡ ስሩዕ ክታበት፡ ወለንታዊ መርመራ፡ ቀዳማይ ረድኤት፡ ምቁጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ከባብያዊ ጽሬት. . . ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ትህብ።

ካብ’ታ ትካል ምሕድግ ኣብ ዝበለ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ድማ፡ ብመንገዲ ወከልቲ ጥዕና ዓዲን ኣጋር ሓካይምን ኣገልግሎት ከምዝረክብ ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories